cropped-yeha1-transparent-04.png
IMG_0872
ተኽሊት ገብረመስቀል

ሓምለ 2፥ 2015 ዓ.ም


እንታይ ንግበር?

 ... መን? ተጋሩ፡፡ 


 ... ቅድሚ እንታይ ንግበር ከመይ ነይርና ምርኣይ የግድስ፡፡ምእንቲ እዙይ ናብ ታሪኽ ምምላስ ዘይቀሪ ይኸውን፡፡ 


 .. ታሪኽ ... 


ቅድመ ኣኽሱም እኒ ስልጣነ ድኣማት፣ ይሓ ፣ መጣራን ማይ ኣድራሻን ብውሑዱ ሰበ ስልጣነ ነይርና ኢልና ንኣምን፡፡ ተጋሩ፡፡ 

 ...ቀጺሉ፡ ስልጣነ ኣኽሱም ዝሓለፍና ህዝቢ ኢና ወይ ኢና ኢልና ንኣምን፡፡ ፈድሕሪኡ ወዲቅና፡፡ብኣንፃራዊነት ናብ ወሰን ተደፊእና፡፡ 

 ... ኣብቲ ኽውነት ወሰንነት፡ ንኸባቢ ሸሞንተ ሚኢቲ ዓመት ጸኒሕና፡፡ ሃጸይ ዮሃንስ መሊሱ ናብ ማእኸል ኣምጺእና፡፡

... ድሕሪ ሃጸይ ዮሃንስ፡ መሊስና ወዲቅና፡፡ ኸቢድ ውድቀት፡፡

 ... እቲ ውድቀት ኣዝዩ ሰፊሕን ካብ ውድቀት ኣኽሱም ዝብኣሰ ቁስሊ ሓዚሉ ነይሩ ዝመጽአ፡፡ እቲ ምንታይ ንዝብል፡ ኣብዚ ክልተ ነገራት ጥራሕ ኣልዒለ ክዛረብ፡፡ ካብቶም ዝመጹ፡ ጉዳይ ጅኦግራፊን ሊሂቃዊ ክፍፍል ኣስዒቡ፡፡

 ... ጉዳይ ጅኦግራፊ፡ እቲ ሞስ ዓለም እናራኸበሉ ዝነበርና ጅኦ ፖለቲካ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነሉ ሰፊሕ ዕድል ኸፈተ፡፡

 .. ጉዳይ ልሂቕ፡ ትግራይ(ሰሜንን ደቡብን ሓዊስና) ናብ ሓሙሽተ መዋቅራዊ ክፋላት ሊሂቅ ክትኸይድ ኪኢላ፡፡ ኤርትራዊ መንነት ክሃንጽ ዝደሊ(ብሰሜን መረብ ሓደ ዓብዪ ገዛኢ ክፋል ኮይኑ ዘሎ)፣ ኣግዓዝያን፣ ናፍቅ ኢትዮጵያኒስት፣ ማርክሲስት ኢትዮጵያኒስት፣ ሃገራዊ ሓይሊ ትግራይ ኣለዉ፡፡

 እዞም መዋቅራዊ ክፋላት ፖለቲካ ትግራይ ምልክት ውድቀት ወይ ብሰንኪ መዋቅራዊ ሰንፈላል ዝመጸ በዝሒ እምበር ብምፍልፋል ሓሳብ ወይ ምርቃቀቕ ኣእምሮ ዝመጹ ፍልስፍናዊ ኣምሪታት ኣይኮኑን፡፡ ካብኡ ሓላፉ እውን ዓርሲ ብዓርሶም ክደጋገፍሉ ካብ ዝኽእል ዕድል ነኒ ርእሶም ዝጓነጽሉን ዝመናጨትሉን ኹውነት ይሰፍሕ፡፡

 .. ነዚ ጽሑፍ ክብሃል ግና፡ ዝገዘፈ ትኹረተይ ናብ ደቡብ ትግራይ(ኣብ ላዕሊ ተጋሩ ከምዝበልናዮ) እየ ክገብር፡፡ ምኽንያቱ፡ ግደ ሓቂ ሐዚ ጉዳይ ሰሜን መረብ ቀዳምነት ተዋሂብዎ እንዛረበሉ ኣይኮነን፡፡ ግዜን ጉልበትን ይደሊ፡፡ ካሊእ፡ ኣብቲ መቦቆልን ማእኸልን ምትኳር ስለዘግድስ፡፡ ብምኳኑ ናብ ጉዳይ ተጋሩ ደቡብ መረብ ንስገር፡፡ 

 ... ትግራይ ድሕሪ ውድቀት ሃጸይ ዮሃንስ ብመዋቅራዊ ቅርጺ ናብ ሰለስተ መዋቅራዊ ባይታት ወይ ሊሂቃን ዓሊባ ኣላ፡፡ 

 ... እዙይ ማለት፡ ሰለስተ መዋቅራዊ ሓይሊታት ትግራይ ተፈጢሮም፡፡ ናፍቅ ኢትዮጵያኒስት፣ ማርክሲስት ኢትዮጵያኒስት፣ ሓይሊ ሃገረ ትግራይ፡፡ .. እዞም መዋቅራዊ ክፋላት፤ ኣሰላልፍኦም፣ዘምጽእዎ በረኸትን ጣጣን ንምምዛን ሕድሕዶም ንእሽቶ ንርኣዮም፡፡ ..

 ፩. ናፍቅ ኢትዮጵያኒስት፦ እዚ ክፋል ሊሂቕ ኢትዮጵያ ተጋሩን ካልኦትን ነጺሩ ዘየለሊ፤ ማለት እውን ኢትዮጵያ ኣኽሱም፣ ኢትዮጵያ ዮሃንስን ምንሊክን ብሓደ ዓይኒ ዝትንትንን ዝርዳእን ሓይሊ እዩ፡፡ ኣብ መንጎአን ዘሎ ፍልልይን ዝመጸ ታሪኻዊ ምዕባለታት ከም እኒ ለውጢ ጅኦግራፊ፣ ጂኦፖለቲክስ፣ ማእኸልነት፣ ካልኦት መንነታዊ ዛዕባታትን ዝርዳእ ኣይመስልን፡፡ እዙይ ማለት ብወገን ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተፈጠረ ለውጢ ዘገናዝብ ኣይመስልን፡፡ ናይዚ ምኽንያት ብቀንዱ ኢትዮጵያ ምንሊክ ፪ ንዝሓለፉ ፩፻፫ ዓመታት መንነታዊ ረቂቅ ሃፍቲ(ታሪኽ፣ ስነ ህንጻን ዜማን፣ ሃይማኖትን ፊደልን...) ኢትዮጵያ ኣኽሱምን ዮሃንስን ስለ እትጥቀም እዩ፡፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ፡ ብጽልዋ ዓለምለኻዊነት ወይ ሸለልትነት ወይ "መማረጺ ምስኣን" ነዚ ቅዋም ዝድግፉ ኣይስኣኑን፡፡ ኣብዚ ብውዳበ ደረጃ፥ እኒ ኢድዩ፣ ዓረና፣ ብልጵግና ትግራይ ብሓደ ይኹን ብኻሊእ መንገዲ ነዚ ቅዋም እንተስጉሙ ተራእዩን ይርአን፡፡ ..

 ፪. ማርክሲስት ኢትዮጵያኒስት፦ እዚ ክፋል ልሂቕ ኣብ ህንጸተ ሃገር ወ ብሄር ዘለዎ ርድኢት ካብቲ ማርክሳዊ ርዕዮተ ዓለሙ እዩ ዝነቅል፡፡  .. ነዚ ክፋል ሊሂቕ ብቁርሒ ዝውክሎ ህወሓት ኮይኑ ይርከብ፡፡ እዚ ክፋል ሊሂቕ ትግራይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበሩ ማርክሳውያን ዉዱባት (እህኣፓ፣ መኢሶን፣ ኢጭኣት፣...) ብዝተፈለየ መንገዲ ኣብ ህንጸተ ሃገር ኣመልኪቱ ሙሉእ ማርክሲስት ኮይኑ እዩ መጺኡ፡፡ ... ብድሕሪ ተግባራት ህወሓት ዘለዉ ሓሳባት እንተመርሚርና፣ ኢትዮጵያ ናይ ሓባርና ሓንቲ ሃገር ኽትኸውን ትኽእል ኢያ፤ ስለ እዙይ ሓበራዊ(ብደርባዊ ቃልሲ) ቃልሲ ኣካይድና ርእሰማል(Capital)ብምፍጣር ካሊእ ንኹልና ዝኸውን ሓዱሽ ሓደ መንነት(Identity) ኽንፈጥር ኢና ዝብል መትከል ኢዩ ሒዙ፡፡ ስልጣን ኣራት ኪሎ ጨበጡ ጉዕዞ ጀሚሩ...፡፡ ህወሓት ስርዓት ኢትዮጵያ ምስ ተቆጻጸረ፡ ነቲ ዓብዪ ዕላማ ፈጠራ ሓዱሽ ልዑል ኢኮኖምያዊ መንነት ከሳክዕ ክብል ናይ ባዕሉ ስልቲታት ተጠቂሙ እዩ፡፡ ነዙይ ሓደ ዓብዪ መርትዖ ዝኾነና፤ መእተዊ(Preamble) ሕገ መንግስቲ ፌድሪኢ እዩ፡፡ እዚ ኣብዚ መእተዊ ዘሎ መልአክቲ ቀንዲ ዕላምኡ ሓደ ናይ ኢኮኖሚን ፖለቲካን ማሕበረሰብ ንምፍጣር እዩ ዝብል፡፡ እዙይ ዕላማ ከም Earnest Gellner "Nations and nationalism" ብዝብል ስሙይ መጽሓፉ ዘስጉሞ ድሕሪ ኢንዱስትሪያዊ ዕብየት ዝመጽእ ህንጸት ምዑቡል መንነት ምኳኑ እዩ፡፡ በዙይ ተደሪክና ክዓ፡ ብኣተረጓጉማ ሕጊ(Maxims Interpretation) ፌድሬሽን ንቲ ዓብዪ ዕላማ ዘሳኽዕ ስልቲ ካብ ምኳን ዝሓልፍ ከም ዘይኸውን እዩ፡፡ ስለዚ ህወሓት ፌድሬሽንን ንሱ ዝወለዶም ወሰናዊ ሓሳባትን ሊሂቃንን ከም ሓደ ስልቲ ተጠቂሙ፡፡ ምኽንያቱ እቲ ሓዱሽ መንነት ንምፍጣር እቲ ዝነበረ ህንጸት ኣምሓራዊ መንነት ክስበርን ክሕምዞቅን ነይሩዎ፡፡ እንተኾነ ግን ከምቲ Anthony D.Smith "The Ethinic orgins of Nations (1887)" ኽውንነት ፖለቲካ ዝኾነ ህንጸት ብሄር መበቆሉ ነገዳዊ(Ethinic) መንነት ምኳኑ ዘቅምጦን፤ Ethino Symbolism ብዝብል መጽሓፉ ድማ ዝኾነ ሃገር ካብ ነገዳዊ መንነት ወጻኢ ክኾውን ኣይኽእልን ብምባል ከምዝካትዐሉ፡ ስርዓት ህወሓት ናብቲ ዝነበረ ህንጸተ ሃገረ ብሄር ወይ ብሄረ መንግስቲ ኣምሓሩ እናኣተወ ኸደ፡፡ ኾይኑ ግና፡ ንስለ እቲ ዝዓበየ ዓላምኡ ክብል ዝተጠቀሞ ስልቲ ድማ ብቀንዱን ብሰፊሑን ናይ ምንሊክ ኢትዮጵያ ብመዋቅር ናብ ማእኸል ዘካተተቶ ብሄረ ኦሮሞ ማእኸል ኮይኑ ናይ ባዕሉ ቅረጺ ሒዙ መጽአ፡፡ እቲ ስልቲ (ፌድሬሽን) ነቲ ዓንተዎ ኣብ ተጋሩ ሰሜን መረብ ገዛኢ ክፋል ልሂቕ ኮይኑ ሓዱሽ "ኤርትራዊ" መንነት ኣብ ምህናጽ ዝርከብ ድማ ትግራይን መንነት ተጋሩን ብክልላዊ መንግስቲ መስሪቱ ነግነግ ከየብሎ ሰግአ፡፡ እቲ ሊሂቕ ሰሜን መረብ(ብህግደፍ ዝምራሕ) ከምቲ እኒ Eric Hobsbawm ወ T.Ranger "Inventions of Traditions(1983)" ብዘርትዕዎ መጽሓፍ ዝምጉትዎ፡ መበቆል ብሄር ወይ ህንጸት ሃገረ ብሄር ኮነ ተባሂሉ ብልሂቃን ዝህነፅ ሓዱሽ መንነት እዩ ዝርከብ ዝብል ቅዋም ሒዙ እዩ ዝንቀሳቀስን ዝቃለስን፡፡ እቲ ፀገም ህግደፍ ካፒታል ስለዘይውስኸሉ እዩ፡፡ (ንዚ ብዝርዝር ንምርዳእ ብዚ ሓጺር ፅሑፍ ምርዳእ ስለዘይክኣል ብቀረባ 'ሕቶ ትግራይ' እትብል መጽሓፍ ሒዘ ስለዝመጽእ ኣብኡ ብዝርዝር ይቅመጥ እዩሞ ክትሕግዝ ትኸውን ኢለ እግምት) እንትጥመር፤ ከይዲን ታሪኽን ተጋሩ ብሓፈሻ፡ ዕላማን ስልቲን ህወሓት ብፍሉይ ናይ ባዕሉ ውጽኢት ሒዙ መጺኡ፡፡ ንህወሓት ስትራቴጅያዊ ጸላእቲ ዓደመሉ፡፡ ንትግራይ እውን ብዝተፈላለየ ኽውነት ላሓኽወ፡፡ ኩሉ ግዜ ስትራቴጅያዊ፣ ብግዜ ዝልካዕ ስልታዊ ወ ስትራቴጂያዊ ጸላእነት፡፡ 

 ... ካበይን ካብ መንን? ... 

ካብ ዓራሑ ኢትዮጵያ፦ ነቲ ዕላማ ህወሓት ብውጽኢት ናብቲ ናቶም መንነት ኸምዝሕወስ ብዘይምርዳእ ወይ ናብ ካሊእ መንገዲ ከይኸድ ዝሰግኡ መንነትና ክጠፍእ የብሉን ዝብሉ፣ ኢትዮጵያ ብናይ ባዕልና መንነት ኢና እናሃንጻ ዝብሉ፤ ስልጣን ብዝሓቱ ኣካላትን ኣብ ኢትዮጵያ ክቦቁሉ ጀሚሮም(ኣምሓራ ወ ኦሮሞ)፡፡ ቁሩብ ንምውሳኽ፤ ንህወሓት ዘይቅበሉ ሓይሊታት ካብ ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ተላዒሎም፡፡ እቶም ብናትና መንነት ክንሃንጻ ንኽእል ኢና፣ ስልጣን ፌድራል ይግብአና ኢዩ ዝበሉን(ኦሮሞ)፣ ህወሓት ብምስልና ዝሃነጽናዮ ዓዲ ኣፍሪሱልና፣ ብምስልና መሊስና ክንሃንጻ ኢና ዝብሉ(ኣምሓራ) ጥምረት ፈጢሮም ኣንጻር ህወሓት ተላዒሎም፡፡ .. 

ካብ ኤርትራ፦ ዋላ እኳ ዕላማ ህወሓት ግልጺ እንተኾነ ህወሓት ዝሰረቶ መንነታዊ ፌድሬሽን ብቀጻሊ ንህንጸት ኤርትራዊ መንነት ሓደጋ ስለዝኾነ ክፈርስ ኣለዎ ካብ ዝብል ተበጊሱ ኣንጻር ህወሓት ወ ትግራይ ተበገሰ፡፡

 .. ካብ ምዕራባዊ ዓለም፦ መንግስቲ ህወሓት ዘለዎ ፍልስፍና ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ፣ ብኡ ሰንኪ ናብ ኣፍሪካ ዝሳሓቦም ጸላእቲ ምዕራባዊ ዓለምን(እኒ ቻይና) ስለዝነበረ ኣሜሪካ ቀንዲ ጸላኢት ህወሓት ኮይና ወጺኣ፡፡ ህወሓት ነዙይ ክቅበል ኣይደለየን፡፡ ኾይኑ ግና ኣብ ኢትዮጵያ (ንዓርሱ ዓርሓ ሲኢኑ ስለዝተኸፋፈለ ወይ ስለዘይተረድኦ ዝነበሮ ስልጣን ለቒቁ መጸ)፡፡ ስዓብዎ ድማ፡፡ ጸላእቲ ህወሓትን ትግራይን ተኣኻኺቦም ናብ መቐለ ስዓቡ፡፡ ህወሓት እውን እንታይ ኸምዝሳኣነ መቐለ ምስ በጽሐ ተረድኦ፡፡ 

 ...ኣብ ትግራይ፦ ድማ ካብ ሓደዊነት ጀሚሩ ናብ ልሕሉሕ ፌድሬሽን ክሳብ ሃገረ ትግራይ ዘሎ መማረጺታት ቀሪቦም፡፡ ሰለስቲኦም መዋቅራዊ ሓይሊታት ናብ ፖለቲካና መጺኦም፡፡ 

... ፫. ሓይሊ ሃገረ ትግራይ፦ ጸላእቲ ህወሓት ምስቲ ህዝቢ ሓዊሶም ምውቃጥን ኣደዳ ጥቅዓትን ሞትን ምስ ገበርዎ፤ ገለ ክፋል ሊሂቅ ሓዱሽ ወለዶ መዋቅራዊ ጸገም ኢትዮጵያን ትግራይን ክሓትት ኢሉ እውን መፍትሒ ከቅምጥ ፈተነ፡፡ እቲ ጸገም መዋቅራዊ ምኳኑን ብሄራዊ ሕቶ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክምለስ ከምዘይኽእል ኣቀሚጡ እዩ፡፡ እዚ ሓይሊ በዚ ሓዱሽ ወለዶ ጥራሕ ዝውከል ዘይኮነስ፡ ብታሪኽ እውን ብግ.ገ.ሓ.ት ዝተታሓዘ ቅዋም ነይሩ(ነዚ ናይ ገብሩ፣ ጆን ያንግ፣ ገብሩ ታረቀ፣ ኣረጋዊ በርሀ መጻሕፍቲ ምርኣይ ይክኣል)፡፡ 

... ግብረ መልሲ ህወሓት፦ ካብ ትግራይ ኢትዮጵያ ናትና ብዝብልን ስታሊናዊ ምሕደርኡ ዘስገልገሎ ተኣኪቡ፤ ካብ ኢትዮጵያ ብስልታዊ ጥምረት ኦሮሞ ወ ኣምሓራ፤ ካብ ኤርትራን ኣሜሪካን ኣንጻር ህወሓት ገጠሙ፡፡ ገሊኦም ድማ ኣንፃር ትግራይ እውን፡፡ ህወሓት ድማ ተጋሩን ትግራዋይነትን ተኣማሚኑ( ካብቲ ንኢትዮጵያ ሰሪሐያን ሃኒጸያን ኢሉ ዝኣምኖ ተበጊሱ፡ ብሄር ብሄረ ሰባት ክሕግዙኒ እዮም ኢሉ ምእማኑ ከምዘሎ ኮይኑ) ኣንጻር ኹሎም ገጠመ፡፡ 

 ... ብ2013 ዓ.ም ጽንታታዊ ኵናት ስለዝነበረ ቀዲሙ ብንኡሽተይ ሰብ ዝሰጎም ዝነበረ ሃገርነት ድሕሪ ኵናት ናብ መላእ ህዝቢ ሰረጸ፡፡ ትግራዋይ 'ፀላኢ'ን ፈታዊን ባህጊ ሃገርነት እንተይነጸረ ናብ ህወሓት ወሓዘ፡፡ ኣብዙይ ሓደ ነገር ዘካትዕ ክኾውን ይኽእል እዩ፡፡ TDF እምበር ህወሓት ኣይነበረን ዝብል 'ፅንኩር' መካትዒ ነጥቢ እንትቀርብ ንርእይ ኢና፡፡ ነዙይ እምነት ብምድራኽ ለለ፡ እቲ ሊሂቅ እንተይተረፈ ናብ TDF ዝብሃል ናፃ ትካል ዝኣትው ዘሎ መሲልዎ ( ህወሓት ስልታዊት ማሓዛ ሃገርነት እያ ኢሉ ዝኣምን ኣይሳኣንን) ብኽውንነት ናብ ህወሓት ኣትዩ፡፡ ኣብዚ ሓደ መሰረታዊ ነገር እንተተንባህና ዝረብሕ ይኸውን፡፡ ኹሉ ግዜ ካብ ሕልናይ ዘይወጽእ ፃሓፊ እኒኦ፡፡ Milovan Djilas ዝብሃል ሞንቴኒግራዊ ዮግስላቭያን፡፡ The New class ዝብል ሁቡብ መጽሓፍ ኣለዎ፡፡ ካብ ማርክሳዊነት ሰጊሮም ናብ ገዛኢ መደብ ዝተቀየረ ውዳበ ወይ ጉጅለ ዕጡቓዊነት(Militarism) ናይቲ ፖለቲካዊ ጉጅለ ባህሪኡ ስለዝኾነ ዋላ እውን ኣብ እዋን ዕጥቂ ዝጠልቦ ናፃ ዝኾነ ዕጡቃዊ ሓይሊ ኣይወጽእን ክብል ይምጉት፡፡ ናብዚ ብተወሳኺ እዞም ጉጅለታት ንሶም ዘየለዉሉ ወይ ዘይዝውርዎ ናፃ ትካል ካብ ክህልው ክፈርስ ይመርጽዎ ክብል እዩ ዲላስ ዝካታዕ፡፡ ብኽውነት ዝተራእየ እውን TDF ዝብሃል ትካል ከምዘየሎ ነይሩ፡፡ 

 ሃገር ኢና እንደሊ ዝብሉ ተጋሩ እውን ህወሓት ባዕሉ ጸላኢ ሃገረ ትግራይ ምኳኑን ኣበይ፣ ማዓዝ፣ ከመይ ይእለ እንተይነጸሩን እንተይተረዳድኡን ምስ ህወሓት(ብስልታዊነት ዝመስል) ወጊኖም ኣንጻር ኹሎም ጸላእቲ ህወሓት ገጠሙ፡፡

 ... ሰነ 21 መጽአ ... 

ድሕሪኡ ሰነ 21፣ ህወሓት ጎና ጎኒ ካልኦት ፀላእቱ ትግራዋይነትን ሃገራዊነትን ከይበልሕ እናኸርከመ ኢዩ ተጓዒዙ፡፡ ኣብዙይ ትግራይ ዓዲ ጥሜትን ጨቆናን ተገይራ ክትስኣል ናይ ባዕሉ ዓብዪ ግደ ተፃዊቱ እዩ(ርዳእታ ዘይምሃብ፣ ካሊእ ስራሕ ጠጠው ምባል፣ ስረቂ፣ ምልኪ ነይሩ) 

... ስርዓት ህወሓት/ማሌሊት ምስ ኣሜሪካ፣ ኦሮሞ፣ ኣምሓራ፣ መላእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኢዩ ገጢሙ፡፡ ምስቲ ትግራዋይነት እውን፡፡ ምስ እዚኦም ኹሎም ገጢምካ ክዕወት ኢየ ምባል ኣይካኣልን ዝነበረ እሞ መዋዳእትኡ "ስምምዕ" ሰላም ፕሪቶሪያ ብጥቅምቲ 23፣ 2015 ዓ.ም ተስማዕምዑ፡፡ 

 ... ሐዚ ዘለናዮ ኽውነት እንታይ ኢዩ? ... 

ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ወታሃደራዊን ፖለቲካዊ ኢድ ምሃብ ዘስዕበ ስምምዕ ኢዩ ኾይኑ፡፡ እቲ ፌርማ ዝፈረሞ ህወሓት ኢዩ፡፡ ብኽውንነት ኢዱ ዝሃበ ግና ህወሓትን ምስኡ ተሰሊፎም ዝቃለሱ ዝነበሩ ሃገራውያን ውዱባትን፣ ውልቀ ሰባትን ኢዮም፡፡ ምኽንያቱ እቲ መቃለሲ ሃፍቲ፣ ስነ ልቦና፣ ጅኦፖለቲካዊ ረብሓን ናብ ዘይማዓልኡ ኢዩ ዊዒሉ፡፡ ንዝተንሳፈፈ ዕላማን ስልጣንን ህወሓት፡፡ ዓቅምና ንግዚኡ ኣብቂዑ ኢዩ፡፡ ዕላማ ሃገር ምጽንጋፍ ዝጀመረ ድማ ፡ ህወሓት ካብ በረኻ ግርማ ሞጎስ ወሲኹ እንትምለስ ነይሩ፡፡ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም፡፡

 ... ነዚ ብስምምዕ ዝተወደአ ኵናት ዝመርሖ ድማ ስልጣን ይግብአኒ ኢዩ፤ ንስለ እዙይ ድማ ኢትዮጵያ ብምስሊ ኦሮሞ ክሃንጻ ኢየ ኢሉ ዝኣምን ሓይሊ ኢዩ ኾይኑ፡፡ ኦሮሞ ማእኸል ዝገበረ ሓይሊ ኢዩ፤ መራሒ ናይቲ ዓወት፡፡

 ... ሓይሊ ኦሮሞ እንታይ እዩ ዕላምኡ? ... 

ኦሮሞ ናብ መዋቅራዊ ማእኸልነት ኢትዮጵያ ዞመጽአ ብሃጸይ ምንሊክ ኮይኑ፤ ብስርዓት ፌድሬሽን ድማ ቅረጺ ሒዙ ዓብዪ ክልል ኮይኑ መጺኡ ፡፡ ሃብታሙ ኣለባቸው፡ ታላቁ ተቃርኖ(2009) ክብል ዘሕተሞ መጽሓፉ፡ ሓይሊ ኦሮሞ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝሪእየሉ መንገዲ ብሰሜንን(ኣቢሲኒክን) ደቡብን(ኩሻዊን) ብዝብል ዳይኮቶሚ እዩ ዝብል መልአክቲ ኣለዎ፡፡ ብምኳኑ፡ ኢትዮጵያ ብምንሊክ ተደኲና ብምስሊ ሰሜን ዝተሃነጸት እያ ኢሎም ይኣምኑ ማለት እዩ፡፡ ስለዙይ፡ ባህጊ ሓይሊ ኦሮሞ ብሓፈሻ እንተሪእና፡ ኢትዮጵያ ብምስሉ ንምህናጽ ይመስል፡፡ ምኽንያቱ፡ ዘይንክኡ ዓንዲታት ረቒቕ ሃፍቲ(ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጰሸያ ፣ ዲሞግራፊ ኣዲስኣባን ነኺኡ ኣሎ፡፡

 .. ነዚ ዝጥቀሞ ስልቲ ኸ እንታይ ይኸውን? 

.. ኦሮሞ ማእኸል ዝገበረ ስልጣንን ህንጸት ብሄረ መንግስቲ(ሃገረ ብሄር) ኽቅጽል ብልቢ ዝተሓሰበሉ እንተኾይኑ ፌድሬሽን ክቅጽለሉ ዝኽእለሉ ዕድል ኣዝዩ ሰፊሕ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ መራሒ ናይቲ ዓወት(ኦሮሞ) ሐዚ ዘለዎ ዓቅሚ ጽልውኡ ኣብዙይ እቶ ዝብሃል ኣይኮነን፡፡ ብመዳይ ረቂቅ ሃፍቲ የውግዕ ዘለኹ ምኳኑ ልቢ ክብሃል እደሊ፡፡ ድኹም ሓይሊ ዘለዎ ድማ ንግዚኡ መዕገቲ የድልዮ፡፡ ፌድሬሽን እቲ ቅድሚት ዝስራዕ ሜላ ይኸውን፡፡ ብካልኣይ ደረጃ፡ ጸላኢኡ ሓይሊ ኣምሓራ ኣሎ፡፡ ሓይሊ ኣምሓራ ቀዲሙ ክሰርሖ ዝኽእል ድማ ስርዓተ ፌድሬሽን ምፍራስ ኢያ፡፡ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ጸላኢ ፌድሬሽን ይርከብ፡፡

 .. ፌድረሽን ንግዚኡ ዓጋቲ ህንጸተ ብሄር ኣምሓራ እዩ፡፡ ... ስለዙይ ስልጣን ኣብዪ ኣሕመድ ንምሕላዉ ይኹን ብምስሊ ኦሮሞ ክትሃንጽ ስርዓት ፌድሬሽን ከም ስልቲ ክህልው ዝደልይሉ ዕድል ይሰፍሕ፡፡ ስለዙይ፣ ኦሮሞ ይኹን ኣብዪ ኣሕመድ ነዙይ ዝድግፍ ካብ ካልኦት ብፍላይ ካብ ትግራይ ዝደልዩሉ ኹነት ኣሎና፡፡ 


እሞ እንታይ ንግበር?

 ... ቅድሚኡ ግና ረብሓ ትግራይ እንታይ ይኸውን? ኣለሊና ዲና? ረብሓ ንምፍላይ፤ እቲ ቀንዲ ባህጊ ምልላይ የድሊ፡፡ እቲ ቀንዲ ባህጊ ወለዶና ዝተስማዕመዐሉ እዩ፡፡ ... ረብሓ ትግራይ ምስ ቀንዲ ሕቶ ትግራይ ዝተሓሓዝ ኢዩ፡፡ ሕቶና ድማ ብርኪ ብብርኪ እናተመለሰ ዝኸይድ ብሓጺር፣ ማእኸላይ፣ ነዊሕ እዋን ዝሳኻዕ ትልሚ ክህልዉ ኣለዎ፡፡ መንነታዊ ህላወ፣ ዲሞክራሲን ኢኮኖሚያዊ ብራኸን ኢዩ ሕቶና፡፡ ነዚኦም ረብሓታት ዘሳስዩ መንገዲታት ኣለዉ፡፡ ብሓጺር ትልሚ ምርግጋጽ ግዝኣታዊ ሓድነት ፣ ብማእኸላይ ግዜ ትልሚ ዝግበር ክዓ ርእሰ ምሕደራ፣ ንጽጽራዊ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ናጽነትን፣ ቢሄራዊ ስምረት ዘማዕብሉ ስራሕቲ ውዳበታት ምስራሕ ሲዒቦም ዝመጹ ረብሓታትን ፣ ድሕሪኡ ባህጊና(ናፅነት) ናይ ነዊሕ እዋን ይኾውን፡፡

 ... ዘለናዮ ባይታ ኸ? ... 

መራሒ እቲ ዓወት ፕሪቶሪያ ኣብዪ ኣሕመድ ወ ኦሮሞ ብልጽግና ኢዩ፡፡ ናይዙይ ቀንዲ ጸላእቲ ኮይኖም ዘለዉ ድማ፡ ኣምሓራን ኤርትራን ምኳኖም ሪኢና ኢና፡፡ ስለዙይ ትግራይ በቲ ሐዚ ዘላቶ ኹነታት፥ ተናሓናሒት ስልጣን ወይ ደጋፊት ተናሓናሕቲ ስልጣን ኣብዪ ኣሕመድ ወ ኦሮሞ ብልጽግና ድያ ክትኸውን ወይስ ተኣማኒት ኣብዪ ኣሕመድ ወ ብልጽግና ኦሮሞ? ኢዩ እቲ ማእከል ሕቶና፡፡

 ... ብተወሳኺ ንኣሜሪካ ዘይጻባእ ፖሊሲን ተግባርን ዝኽተል ኣካል ክህሉ ወይስ ብዝኾነ መንገዲ ዘይቃደውን ዘይእመንን ኹነት ክህልወና? ኢያ እታ ሕቶ፡፡ 

 ... ነዙይ ግልጺን ዘረዳድእን መልሲ ዘለዎ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ፡፡ ትግራይ በዙይ እዋን ተጻባኢት ስልጣን ኣብዪ ኣሕመድ ወ ኦሮሞ ብልጽግና ኽትኸውን ዘኽእላ ጆኦግራፊ፣ምኽንያት፣ ባህጊ ይኹን ተኽእሎ የብላን፡፡ ስለዙይ ትግራይ ንገዛእ ርእሳ እተሕውየሉ ኹነት ኢያ ክተትኩር ዘለዋ፡፡ ስልጣን እትጥምተሉ ኹነት የላን፣ ክህሉ የብሉን፡፡ ናይ ሓጺርን ማእኸላይን ግዜ ትልምታት ትግራይ ንምዕዋት ዘኽእል ኹነት፣ ተኽእሎ፣ ባይታ ዝኾውን፥ ብቀንዱ ንዕኡ ዝእመን ሓይሊ ድማ ክህሉ ኣለዎ፡፡ ... ንኣሜሪካ እውን ዘይፃባእ ሓይሊ ክህልው ኣለዎ፡፡

 .... ብ ጥያሾ እዚ ሓዱሽ ሓይሊ እንተተሰማዕሚዕና መን ብዝረብሐና ይገብሮ? ... 


 1. ኢትዮጵያኒስት ሊሂቃን ትግራይ

እዙይ ናይ ሃጸይ ምንሊክ ኢትዮጵያ ናትና(ናይ ሃጸይ ዮሃንስ) ኢያ ኢሉ ዝኣምን ሓይሊ ትግራይ እዩ፡፡ 

 ፖለቲካ ኦሮሞ መዋቅር ምንሊክ ዝፈጠራ ኢትዮጵያ ናብ ማእከል ዘምጽኣ ምኳኑን መዋቅር ህወሓት ዝወለዶ ሓይሊ ኢዩ፡፡ ስለዙይ ሐዚ ዘላ ኢትዮጵያ ናይ ምንሊክ ኢያ ኢሉ ይኣምን፡፡ ቀንዲ ውሽጣዊ ሓደጋ እዙይ ሓይሊ ድማ ተነጻሊ ቢሄራዊነት ኦሮሞ ኢዩ፡፡ ነዙ ውሽጣዊ ሓደጋ ኽወቅዕ ዝኽእል ድማ ረብሓ ኦሮሞ ብምምንጣል ይኸውን፡፡ ስለዙይ ረብሓ እዙይ ሓይሊ ስልጣንን ኢትዮጵያ ብምስሊ ኦሮሞ ምህናጽን ኢዩ ዝኾውን፡፡

 .... ናይዙይ ሓደጋ ኣምሓራ ወ ኤርትራ ይኸውን፡፡ ኣብዚ ኦሮሞ እውን ዓፍጣጢ ኣሕሓራ እውን ዓፍጣጢ እንተኮይኑ ስለ ምንታይ ሻዕብያ ንሓዲኦም ደጊፉ ንቲ ሓደ ይቋወም ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ፡፡ ግቡእን መጽናዕቲ ዝሓትት እዩ ዝኸውን፡፡ ከም ዝመስለኒ ግና ሕማም ሻዕብያ ፌድሬሽን ድሕሪ ሐዚ ንሓንቲ ሰኮንድ እውን ክሪኣ ዘይደሊ ምኳኑ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ትግራይን ተጋሩን ዝብሃል ክህሉዉ ኣይደልይን፡፡ ነዚ ድማ ህግደፍ ብግዜ ፍጥነትን ተኽእሎ ምውሓጥን(ተቀራራቢነት መንነት) ካብ ኦሮሞ፡ ኣምሓራ ብዝቀለለ ንተጋሩ ዝውሕጥ ገይሩ ስለዝወስዶ ይመስለኒ፡፡ 

 .... ናብቲ ርእሲ ንመለስ፥ ኢትዮጵያ ናትና ኢያ ዝብል ትግራዋይ ኣብ ትግራይ ድጋፍ የብሉን፡፡ ብምኳኑ ሓደጋ ኣምሓራን ኤርትራን ክዓግት ኣይኽእልን፡፡ ብተወሳኺ ምስ ኣምሓራ ይኹን ሻዕብያ ናይ ምጽጋዕ ወይ ስትራቴጂያዊ ምሕዝነት ዝፈጥረሉ ዕድል ኣሎ፡፡ ምኽንያቱ እታ ሃገር ናትና ኢያ(ናይ ሃጸይ ዮሃንስ) ዝብል መትከል ኢዩ ዘለዎ፡፡ ስለዙይ ነዙይ ምድጋፍ ናብ ኣምሓራ ክጽጋዕ ስለዝኽእል፣ ኣይደራደርን ዝብሃል እንተዝኾውን እውን ግና ዝተንሳፈፈ ስለዝኾነ ጸገም ኣምሓራን ኤርትራን ክዓግት ኣይኽእልን፡፡ 

... ስለዙይ ብኦሮሞ ይኹን ብተጋሩ ሓጺርን ማእከላይ ግዜ ዝስርሑ ረብሓታት ተጋሩ ዝድገፍ ኣይኾውንን፡፡ ... 


2. ህወሓት:- 

ህወሓት ስልጣን ኢትዮጵያ ኢዩ ዘቋምት ወይ ገዲፈዮ እንተዝብል(እንተበለ) እውን ኣብ ዝኾነ እዋን ዝእመን ኣይኮነን፡፡ እቲ ጉዳይ ናይ ዓቅሚ ሕጽረት ምኳኑ ኹሉ ዝግንዘቦ ፉሉጥ ነገር እዩ፡፡(ህወሓት ብስልቲ ኣዝዩ Pragmatic ምኳኑ ጆን ያንግ Peasant Revolution in Ethiopia:The TPLF 1975-89 ዝብል መጽናዕታዊ ጽሑፉ 3ይ ድግሪ ምርኣይ ይክኣል)፡፡  

... ብተወሳኺ ህወሓት ብእምነት ካሊእ መንነት ክፈጥር እየ ዝብል ብተግባር ናይ ኢትዮጵያ ምስሊ ብኣምሓራ ዘቐጽል ኢዩ፡፡ ብካሊእ ገጽ ህወሓት ዉዳበ ስለዘለዎ ሓይሊ ኣለዎ፡፡ ኣብ ባይታ ኔትዎርክ ኣለዎ፡፡ ዝበስበሰ ቢሮክራሲ ኢዩ ዘለዎ፡፡ ኣንጻር ኤርትራን ኣምሓራን ዝስለፍ ሓይሊ ኢዩ፡ 

... ህወሓት ብተግባር ንኣሜሪካ ዝጻረር ሓይሊ ኢዩ፡፡ ኣሜሪካን ዓበይቲ ናይ ንግዲ ትካላታን ሓሰበን ኣይንቅበልን ዝበለ Blank is beautiful ኢሎም ኩሉ ነገርካ ሓኺኾም ንቅበላ ሓሳቦም ድልው ክገብርኻ ከምዝጽዕሩ(ኣብ ምሕኻኽ እምበር፡ ኣብቲ ሕኻኽ ምምላእ ግና ከምዝወደቁ ተቀምጥ) ኣብ ችሊ ብዘበን ኣለንዴ ብዝገደደ ድማ ዒራቕ ኣትዮም ከም ዝሓኸኹ Naomi Klein "The Shoke doctrine: the rise of disaster capitalism(2007)" ብዝብል መጽሓፋ ተቀምጥ፡፡ በዚ እዋን ብሰንኪ ገታር ማርክሳዊ እምነት ህወሓት ግዳይ 'ሾክ' ኮይንና ኢና ዝብል ክትዕ ኣብ ትግራይ ብሰፊሑ ይርአ እዩ፡፡ ኣምባሳዶር ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝነበረ Jeffry Feltman ኣብ 2014 ዓ.ም ብቪኦኤ ቀሪቡ ዘረጋገፀልና እውን ኣሜሪካ ንህወሓት ከም ማርክሳዊ ሓይሊ ከምዝሪእዎ ነይሩ፡፡ ሰለዙይ ህወሓት ንኣሜሪካ ብዙሕ ዝዋሓጥ ኣካል ኣይኮነን፡፡ 

 ... ብሓደ ገጽ፡ ህወሓት ስልጣን ፊንፊኔ ስለዝብህግን ምስሊ ኣምሓራ ስለዘቀጽልን ብኦሮሞን ኣብይን ዝድገፍ ኣይኮነን፡፡ ብካሊእ ገጹ፡ ሓይሊን ኔትዎርክን ስለዘለዎ ድማ ንኣምሓራን ኤርትራን ክዓግት የኽእሎ ፡፡ ሰለዙይ በዛ መዳይ ክጠልቦ ይኽእል፡፡ ግን ድማ ባዕሉ ህወሓት ሓደጋ ክኾን ኢዩ ኢሉ ስለዝኣምን ዘይክጠልቦ እውን ይኽእል፡፡ 

 ... ሓይሊ ኦሮሞ ንህወሓት ብሓይሊ እንተጠሊብዎ ንትግራይ ዘስዕቦ ጉድኣት ኣሎ፡፡ ትግራይ ወታደር ኦሮሞ ኢዩ ዝኾውን ዘሎ፡፡ እዙይ ድማ ንትግራይ ሓደጋ ይጽውዕ፡፡ ካሊእ ዝገደደ ድማ፡ ዝበስበሰ ቢሮክራሲን ኔትዎርክን ምህላዉ ናጻ ውዳበ ናይ ምምስራት ዕድል ይዓጽው፣ ፍትሓዊ ኢኮኖሚ ክትሃንጽ፣ ፍትሒ ክርከብ ኣዝዩ ኸቢድ ይኸውን፡፡ ስለዙይ፡ ማእኸላይን ነዊሕን ረብሓ ትግራይ ኣይዕወትን ማለት ይኸውን፡፡ ብቀጻሊ እውን ህወሓት ኵናት ብምግጣም ካሊእ ዋጋ ኸክፍለና ይኽእል ኢዩ፡፡ 

 ... እንትድምደም፣ ህወሓት ብሓይሊ ኦሮሞን ኣሜሪካን ክድለ ዘኽእሎ መማረጺ ስለዝተሳኣነ እዩ፡፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘታሓሕዝ 'ድጋፍ' ዘለዎ ብሕታዊ ሓይሊ ኮይኑ ስለዝቀረበ እዩ፡፡ ንትግራይ ድማ ብሓጺር፣ ማእኸላይን ነዊሕን ዝቆጥፍ ሓይሊ እዩ፡፡ .... 


3. ቢሄርተኛ ሓዱሽ ሓይሊ? 

እዙ ሓይሊ ሓዱሽ ብመትከል ሊበራል ሓይሊ ኮይኑ ዝቀርብ ብምኳን ንኣሜሪካ ዘይጻባእ ይኸውን፡፡ ሓዱሽ ዘይበስበሰ ቢሮክራሲ ስለዝሃንጽ ተጋሩ ብማእኸላይ ትልሚ ዝግበር ረብሓ ትግራይ ንምዕዋት ኣይጻባእን፡፡ ዓርሰ ምሕደራ፣ ቢሄርተኛ ዉዳበታት፣ ኢኮኖሚ ህንጸት ኣተኲሩ ዝሰርሕ ይኸውን፡፡ካብ ፖለቲካዊ ሃልኪ ዝወጸ ኣካል ኢዩ፡፡ ነቲ ነዊሕ ባህጊ እውን ኣየዕንቅፍን፡፡ ንኦሮሞ ድማ ነተን ክልተ ኣብ ህወሓት ዘለዋ ኽፍተታት ዝመልእ ኮይኑ ይርከብ፡፡ ካብ ትግራይ ድጋፍ ስለዝህልዎ ሓይሊ ኣለዎ፡፡ ስለዙይ ንሓይሊታት ሻዕብያን ኣምሓራን ይዓግት፡፡ ኢትዮጵያ ናይ ምንሊክ ኢያ ኢሉ ስለዝኣምን ምስ ኣምሓራ ዝማሓዘወሉ ዕድል የሎን፡፡ ብቀንዱ ቢሄራዊ ሓይሊ ስለዝኾነ ንስልጣን ኣዲስኣባ ሓደጋ ዝኾነሉ ዕድል ጸቢብ ይኸውን፡፡ ንህንጸት ኦሮምያዊ ምስሊ ኣይጻባእን፡፡ ስለዙይ ሓይሊ ኦሮሞ፣ ኣሜሪካን ዘይጻባእ ኢሉ እውን ዝድግፍ፣ ንባህጊ ሃገራዊ ሓይሊ ትግራይ(ብነዊሕ) ብዉሑዱ ዘይጻባእን ንትግራይ ዝረብሕን ሓይሊ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ 

 ... መን ይመስርቶ? ... 

ብርኡይ ሃገር እንትብል ዘይተሰምዐ ኣካል ወይ ውልቀሰብ እንተዝኾውን ይምረጽ፡፡ ... 


4. ብነዊሕ ግዜ ባህጊ ዘለዎ ሃገራዊ ሓይሊ 

ብነዊሕ ግዜ ባህጊ ዘለዎ ሃገራዊ ሓይሊ ድማ ነዙ ሓዱሽ ቢሄርተኛ ሓይሊ እዙይ ድጋፉ የበርክት፡፡ ነዊሕ ዝብህግ ኣብቲ ባይታ ክሰርሕን ክስርትን ኣለዎ፡፡ ይጽሓፍ፣ ብመድረኻትን ማሕበራትን ይወደብ፣ ሚድያ የጣይሽ፣ ብሓጺሩ ብሄራዊነት ኣብ ባይታ ይሰርትን ማዓልታዊ ቢሄራዊነት ይህነጽ፡፡ 

 እዚኣ ንግበር እብል፡፡ 


 ወድሓንኩም፡፡ የቅንየለይ!

ምንባብ ይቐፅሉ

8 thoughts on “መመያየጢ ሓሳባት

  1. ዝገርም ብቕዓት ትንታነን ንጽረትን ሓሳብ ዘለዎ፡ ንምንባብ ብጣዕሚ ዝብሃግን ጽሟቕ ፍረ-ሓሳብ ሒዙ ሰፋሕቲ ዓውድታት ዝዳህሰሰ ፅሑፍ እዩ።
    ተኽሊት ወሎደይ ብምዃንካ ተሓቢነ! ቀጽለሉ!!

    ብባህጊ ደረጃ ኣነ ሃገርነት ዝብህግ ሰብ እየ!

  2. የቀንየልና ሓው ተክሊት፣ ሓሳብካ ይሰስን። መሃሪ፣ ኣንፋቲ ሓሳብ እዩ

  3. ጽቡቕ ተበግሶ ወ ጅማሮ።
    👌 ሓጺር ማእኸላይ ነዊሕ ዝብል ምደባ ክንደይ ዓመት ክይወስድ ይኽእል? (Just use for internal purpose.) ምስቲ ዘሎ ከይዲ ጽንተት እውን ብምትእስሳር ቀድምና ከኢንድስክል/ከኢንጠፍእ ምንጻር ክየድሊ እዩ።
    👌 ከይዲ ብሔር ብሔራውነት ኣብ ትግራይ ኰነ ምስራቕ ኣፍርቃ ብዕቱብ ምርዳእ ክየድሊ እዩ። I just feel that your analysis seems very superficial.
    👌 “ኢትዮጵያውነት፥ ኣምሓራነት” ትግራዋይነት፥ … እንትርኸሉ ከይዲ ብ ትኹረትን ጥንቃቐን ክይርአ ኣለዎ። ና ስድሳታት ተረኽ ሕዝና እንቕጽል ተኾይንና ካብ ዕፃ ህወሓት ወ ጽንተት ኣይክንወጽእን። plus, ምስ ሕንጻጻዊ ረብሓና ብቐጥታ ንላተም ከም ዘለና ምርዳእ ዝየድሊ ይመስለኒ።
    👌 Thanks for your initial commitment, and good insight.🙏

  4. ዝገርም’ዩ ተክሊተይ። ዋው ኣይትረብርብ ጥራሕ እየ ክብለካ ዝኽእል🙏❤👌።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *